Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ኣዳባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክልል ዞባ ምዕራብ ኣርሲ፣ ወረዳ ኣዳባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ካብ ከተማ ኣዳባ ናብ ከተማ ላጆ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣይስዙ ዝዓይነታ ማእኸላይ መጓዚያ ህዝቢ፥ ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ድማ ህይወት 6 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ 15 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።

እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣብ ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታልን ኣገልግሎት ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ተባሂሉ።

እታ መጓዓዚያ ክተሳፍሮ ዝግበኣ ቁፅሪ ሰብ 28 እኳ እንተኾነ 40 ሰብ ኣሳፊራ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.