Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 17 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 17 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃንፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ትማሊ 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ንጉሆ ከምዝተመረቐ ቤት ፅሕፈት ምግባረ-ሰናይ ትእምት ኣፍሊጣ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብትእምት ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት መረቓ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትእምት፣ ውድብን መንግስትን ከምኡ ድማ ህዝብን ምምሕዳርን እቲ ወረዳ ተረኺቦም።

እቲ ቤት ትምህርቲ እኹላት መምሀሪ ክፍልታት፣ ሰለስተ ኣብያተ ፈተነ፣ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር፣ ኣዳራሽ፣ ካፌን ካልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉን ክፍልታት ዘማልአ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ወለድን ተምሃሮን ወረዳ ሪያ ጨርጨር፥ እቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሓት ፀገማት ሕብረተሰብ ዝቐርፍ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ትእምት ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖሚ እትዓሞም ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ብርክት ዝበሉ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ዝተመረቐ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እውን ኣካል እቶም ትእምት ኣብ ልምዓት እትዋስኦም ዘላ ስራሕቲ እዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.