Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 17 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ፅባሕ ክምረቕ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 17 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ወፃኢ ዝተሃንፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፅባሕ 24 መስከረም 2013 ዓ.ም ንጉሆ ከምዝምረቕ ቤት ፅሕፈት ምግባረ-ሰናይ ትእምት ኣፍሊጣ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብትእምት ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ሓላፊ መምርሒ ኮሙኒኬሽን ኣይተ ወልዳይ ገብረመድህን ከምዝሓበርዎ፥ ትእምት ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖሚ እትዓሞም ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ብርክት ዝበሉ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

እቲ ፅባሕ ዝምረቕ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እውን ኣካል እቶም ትእምት ኣብ ልምዓት እትዋስኦም ዘላ ስራሕቲ እዩ ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.