Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወሎ ንዝተፈናቐሉን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡን ወገናት ድጋፍ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወሎ ንዝተፈናቐሉን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡን ወገናት ድጋፍ ገይሩሎም።

እቲ ድጋፍ ብዓይነትን ገንዘብን እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ብልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ዝተዓደገ ምግቢ ተንከፍን ንፅህና መሐለዊን ከምኡውን ኣልባሳት ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ቦሮና ብድርቂ ንዝተጎድኡ እንስሳት ዝኸውነ 11 ተስሓቢ መግቢን ንሓደ ወርሒ ኣገልግሎት ሂቦም ዝምለሱ 16 ቦቲታት ማይ ድጋፍ ተገይሩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ አዳነች አቤቤ፥ እቲ ምምሕዳር ቅድመ ሐዚ ንወገን ድጋፍ ኣብ ዘድለዮ እዋን ድጋፍ ይገበር ከምዝነበረ ኣዘኻኺረን።

ብቐፃልነት እቲ ድጋፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ገሊፀን።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.