Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።

ኣብቲ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቓ 4 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ሳሮን በርሀ ድማ ብ4 ደቒቓ 9 ሰከንድን 62 ማይክሮ ሰከንድን ውድድራ ብምዝዛም መበል 13 ደረጃ ሒዛ።

ብ3 ሺህ መሰናክል ውድድር ጕያ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

እቲ ኣትሌት  8:07.25 ብዝኾነ ግዘ ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ።

ኣትሌት ጌትነት ዋለ ድማ 8:09.69 ብዝኾነ ግዘ ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ከተማታት ዣሜን ፣ ሱዙን ዶሃን ዝተሳለጠ ናይዚ ዓመት ውድድር ዳይመንድ ሊግ ዝመፅእ ሰሙን ኣብ ሞሮኮ ውድድር ብምትእንጋድ ክቕፅል እዩ።

ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ኣብ ዝተፈላለያ 15 ከተማታት ብምስላጥ ብዝተፈላለዩ ርሕቐት ብድምር ዝሓሸ ነጥቢ ዘመዝግቡ ኣትሌታት ተዓወቲ ዝገብር እንትኸውን፥ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ብራስለስ ቤልጅየም መፈፀምታ ክረክብ እዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.