Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 10 ማእኸል ዕዳጋ እፎይታ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 10 ማእኸል ዕዳጋ እፎይታ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡20 ኣብቲ ማእኸል ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዱንኳት ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እንትኸውን፥ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ብመከላኸሊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ ፖላዊስን ነበርቲ እቲ ከባቢን ርብርብ ምግባሮም ገሊፀን።

ብምዃኑ እውን እቲ ሓደጋ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣፍሊጠን።

ቁፅሪ ዝተቓፀሉ ሹቓትን ዝጋጠመ መጠን ጉድኣትን እናተፃረየ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

እቲ ሓደጋ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዓል እምበር፤ ኣብታ ከተማ ትማሊ ጥራሕ ንኻልኣይ ግዘ ዘጋጠመ ስለዝኾን እቲ ሓደጋ ምስተለዓለ ዘረፋ ስለዝነበረን ጥንኩር ምርመራ ክዝተጀመረ ኣብሪሀን።

ሁሉም የከተማዋ አምራች እና ነዋሪዎች ይህን መሰል አደጋ ዳግም እንዳይከሰት ከፍተኛ ጥንቃቄ እንዲያደርጉ አሳስበዋል

ኩሎም ነበርቲን ኣፍቲን እታ ከተማ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይፍጠር ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ ክብላ ኣተሓሳሲበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.