Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዕላዊ ምትእስሳር ስራሕ መራፂ ተመራፂ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ዕላዊ ምትእስሳር ስራሕ መራፂ ተመራፂ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ተኻይዱ።

እተን ከንቲባ ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ንስራሕቲ ንግዲ ዝውዕሉ 63 ሼዳትን ንሕርሻ ከተማ ዝኾኑ 271 መስርሒ ቦታታትን ንመናእሰይ ኣረኪበን፡፡

ምትእስሳር መራፂ ተመራፂ ብዕሊ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ተወዳዲረን ብህዝቢ ዝተመረፃ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ካልኦት ዝተመረፁ ተወከልቲ ተረኺቦም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፀኦ፥ “ኣብ ቃልሲ ህልውና ብሓባር ሰሪሕና ውፅኢት ከምዘምፃእናዮ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት እውን ንምድጋም ዝመረፀና ህዝቢ ንምኽሓስ ብሓባር ተደጋጊፍናን ተማኺርናን ክንሰርሕ ኣለና” ኢለን።

“ኣብ እዋን መረፃ ዝመረፅኩምና ቃልና ሓሊና ክነገልግለኩም ኢና ኢልና ቃል ኣቲና ነይርና” ዝበላ እተን ከንቲባ፥ “ቃልና ኣብ ዝኾነ እዋን እውን እንተኾነ ኣይንዓፅፎን፣ ክነገልግለኩም ኢና” ክብላ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፅዕንቶ ናብራ ንዘለዎም ወገናት መርሃ ግብሪ ምክፋል ማኣዲ ከምዝተሳለጠ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.