Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ማይ ኣብ ዝዓቆረ ጉድጓድ ወዲ 15 ዓመት ሰገን ህይወቱ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 12 ሉሰፈር እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ተዃዒቱ ክፍቲ ኣብ ዝተሓደገን ማይ ዝዓቆረን ጉድጓድ ንሓመሳ ዝኣተወ ወዲ 15 ዓመት ሰገን ህይወቱ ምሕላፉ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ጠሓልቲ ሓመስቲ ኣስከሬን እቲ ሰገን ብምውፃእ ንፖሊስ ከምዘረከቡዎ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሰገን ህይወቱ ዝሓለፈሉ ጉድጓድ መናእሰይን ሰገናትን ንሓመሳ እናኣተዉ ብተደጋጋሚ ህይወቶም ዝስእኑሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ 12 ሕዳር 2016 ዓ.ም ኣብቲ ክፍለ ከተማ ተዃዒቱ ክፍቲ ኣብ ዝተሓደገን ማይ ዝዓቆረን ጉድጓድ ንሓመሳ ዝኣተወ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ህይወቱ ምሕላፉ ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ኣዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.