ኣብ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ካብ ዑደተኛታት ልዕሊ 3 ሚሊዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተተለመ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ሓድግታት ኣኽሱም ካብ ዝበፅሑ ዑደተኛታት ልዕሊ 3 ሚሊዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ኣሎ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ብዝለዓለ ድምቀት ንምኽባር ምድላዋት ተወጊኑ ኣጋይሽ ናብታ ከተማ ምእታው ከምዝጀመሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን ተዛሪቦም።
ምስቲ በዓል ተታሓሒዙ ሓድግታት ኣኽሱም ንምጉብናይ ካብ ዝመፁ ዑደተኛታት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ከምኡ እውን ካብ መሸጣ ትኬት ልዕሊ 3 ሚሊዮን ብር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።
ምስቲ በዓል ተታሓሒዙ ኣብ ዋጋ መጎብነይቲ ሓድግታት ዝኾነ ዓይነት ናይ ትኬት ወሰኽ ከምዘይተገበረ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ንዑደተኛታት ውሽጢ ዓዲ 50 ብር ንዜጋታት ወፃኢ ድማ 800 ብር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብ ሃይማኖታዊ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ሓደ ሚልዮን ኣጋይሽ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክርከቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።