ኣብ ክረምቲ ኣዋርሕ 108 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ከምዝተሃቀነ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክረምቲ ኣዋርሕ 108 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ከምዝተሃቀነ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ደምን ህብረ ህዋስን ኢትዮጵያ ሃብታወሙ ታዬ ገሊፆም፡፡
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ክረምታዊ ወለንታ ልገሳ ደም ኣብ ከተማ ኣዳማ ምክያዱ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ መደረ ዝገበሩ ኣይተ ሃብታሙ ታዬ÷ ኩሎም ኣካላት እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብምትሕብባር ንኽሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ እዋናት ክረምቲን ፆምን ሕፅረት ደም ከምዘጋጥም ብምሕባር÷ ብሕፅረት ደም ከጋጥም ዝኽእል ሞት ንምንካይ ሃዋህው ዝፈቕደሉ ኩሉ ደም ንኽልግስ ሓቲቶም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com