Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ወቒዑ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንብረትን ገድኣት በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ ጣቢያ ፑኩሙ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ወቒዑ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንብረትን ገድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5 ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ ወቒዑ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት እንተብፅሕ፥ 55 ቆርቆሮ ዝተኸደኑ፣ 20 ብሳዕሪ ዝተኸደኑ ብድምሩ 75 መንበሪ ኣባይቲ ከምኡ እውን ኣቢያተ ትምህርቲ ሓዊሱኣርባዕተ ትካላት መንግስቲ ዓኒዮም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን እቲ ክልል ኣይተ ጋትቤል ሙን፥ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ እቲ ኤጀንሲ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኡሞድ ኡጁሉ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዓዚቡ፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.