ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ኣብ ቁፅፅር ይውዕል ምህላዉ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ኣብ ቁፅፅር ይውዕል ምህላዉ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ።
ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኡገቱ ኣዲንግ፥ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈን ኣብ ልዕሊ ንብረት ዕንወት ከምዘጋጠመን ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ እቲ ክልል ኩነታት ፀፅታ ንምርግጋዕ ምስ ኣካላት ፀፅታ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ሕብረተሰብ እቲ ክልል ነቲ ክልል ዝፈታተን ዘሎ ብሄርተኝነትን ኣተሓሳስባ ጎሰኝነትን ብምውፃእ ንዘላቒ ሰላም ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።
ጎንፅታት ምፍታሕ ዝከኣል ኣፈላላያት ብምፅባብን ሓቢርካ ናይ ምንባር ክብሪ ብምጥንኻርን ከምዝኾነ እውን መብረሆም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።