Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ጋምቤላ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ዜጋታት ተመዛቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብክልል ጋምቤላ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ወረዳ ላሬ ዝርከባ 28 ጣቢያታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 16 ጣቢያታት ዞባ ኑዎር ወረዳ ዋንቱዋ ዝነብሩ ልዕሊ 4 ሺሕን 500 ዜጋታት ከምዝተመዛበሉ ተሓቢሩ።

ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን እቲ ክልል፥ በቲ ሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ንምግባር ምድላው እናገበረ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብዚ ዓመት ምምላእ ሩባታት ስዒቡ ካብ ዓሚ ዝዛየደ ሓደጋ ውሕጅ ክፍጠር ስለዝኽእል፤ ህይወት ዜጋታት ንምድሓን ኣብ ደረቕ ከባቢታት ክሰፍሩ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣመሓዳሪ ዞባ ኑዎር ኣይተ ሙድ ቶክ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዋና ኣመሓዳሪ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ ኣይተ ኡኬሎ ኦቦንግ ብግደኦም፥ ኣብ ፍርያት ሕርሻ ገባራት ልዑል ጉድኣት ስለዘብፀሐ ንሕብረተሰብ ቅልጡፍ ሓገዝ ምግቢን ኣቑሑትን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግቢን እቲ ክልል ድማ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ከባቢታት ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተውሃቦ ሓገዝ እኽሊ ሓዊሱ መንግስቲ እቲ ክልል ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዕድጊት እኽሊን ኣቑሑትን ብምፍፃም ናብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ትራንስፖርት እናተፀበየ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ትራንስፖርት ኣብ ዝበፅሐሎም ከባቢታት ንተጎዳእቲ ሓገዝ ምግባር ምጅማሩ እውን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.