Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ደቡብ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 4 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ፣ ወረዳ ምእራብ ኣባያ ሎሚ መዓልቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ኣርባዕተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ካብ ከተማ ኣርባምንጭ ብምብጋስ ሰባት ኣሳፊራ እትጓዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 2:30 ብምግልባጣ ኢዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰባት እንትሞቱ ካልኦት 19 ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ከምዝበፅሖም ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ረታ ተክሉ ገሊፆም።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቐን ናህሪን ብበዝሒ ሰባት ምስፋርን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.