Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ዳግም ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ተኸሲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ዳግም ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ከምዝተርኣየ ቢሮ ልምዓት ሕርሻ፣ ሰበኽ ሳግምን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ግብሪ ሓይሊ ምክልኻል ኣምበጣ በረኻ ዶክተር ኣያሌው ሹመት ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ወረዳታት ኣፋምቦ፣ ዱፍቲን ኣሳይታን ካብ 9 ጥሪ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ተኸሲቱ ኣሎ።

መበገሲኡ ካብ ጅቡቲን ሶማሌን ዝገበረ እቲ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፥ ናብ ካልኦት ወረዳታት እውን እናተስፋሕፈሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ሕርሻ ዝሳለጡሉ ወቕቲ ስለዝኾነ፥ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ምግቢን ኣብ ዝራእቲን ጉድኣት ከየብፅሕ ሕብረተሰቡ ብምስታፍ ብባህላዊ መገዲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ነቲ ዕስለ ንምቁፅፃር ብሰብን ተሸከርከርቲን ዝተሓገዘ ነፀጋ ኬሚካል ንምክያድ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ፥ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ብምዝርራብ ኣብቲ ከባቢ ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ነፀጋ ንምክያድ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.