Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ብኲናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኮሌራ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብኲናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኮሌራ ይወሃብ ኣሎ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ዓፋር ብምትሕብባር ዕድሚኦም ልዕሊ ሓደ ዓመት ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ካብ 12 ክሳብ 18 መጋቢት 2014 ዓ.ም ዝፀንሕ ክታበት ይህቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣይስቻለዉ ኣባይነህ፥ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ንሕብረተሰብ ስግኣት ጥዕና ኣብ ዝኾኑ ናይ ምቁፅፃርን ምላሽ ምሃብን ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዘጋጠሙ ለበዳ ኮሌራ 647 ሰባት ዝሓመሙን 7 ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብተን ወረዳታት 98 ሚኢታዊ ቀዳማይ ዙር ክታበት ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ዓፋር እውን ብለበዳ ክለዓለሎም ይኽእል ኢዩ ኣብ ዝተብሃሉ ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከብሎም ዞባ1፣ 2፣ 4 ን 5ን ብድምሩ ኣብ 16 ወረዳታት ን174 ሺሕን 780 ሰባት ክታበት ከምዝወሃብ ምግላፆም ካብቲ ኢነስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.