Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሑጅ ዝተኸበቡ ወገናት ብሄሊኮፕተር ናይ ምውፃእ ስራሕ ምዝዛሙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሑጅ ተኸቢቦም ዝነበሩ ወገናት ብሄሊኮፕተር ናይ ምውፃእ ስራሕ ምዝዛሙ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣባላት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊ ኣየርን ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ልዑል ምስጋናን ኣኽብሮትን ከምዘለዎም ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ መሓመድ ሑሰን ኣብቲ ክልል ሎሚ ዘበን ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ኣብ ወሰን ኣዋሽ ዝርከቡ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 11 ወረዳታትን 67 ሺሕ ሰባትን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 40 ሺሕን 700 ሰባት ብምኽኒያት እቲ ዉሑጅ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ሓቢሮም።

ብዙሓት ሰባት እውን ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ውሑጅ ተኸቢቦም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ብሓደጋ ውሑጅ ተኸቢቦም ዝነበሩ ወገናት ብሄሊኮፕተር ናይ ምውፃእ ስራሕ ምዝዛሙን ህፁፅ ሓገዝ ምግብን ናይ ምብፃሕ ስራሕ ክስራሕ ከምዝፀንሐ እውን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ወረዳታት ኣሳህይታ፣ ኣፋምቦን ገረኒን ተኸቢቦም ዝነበሩ 4 ሺሕን 915 ሰባት ክወፅኡ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.