Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ህዝቢ ዝጥቀመሎም ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዉ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዘካየዶ ወራር ን14 ወረዳታታት ዘካለለ ጥቅዓትን ጉድኣትን ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብቲ ክልል ክሳብ ሐዚ 52 ኬላታት ጥዕና፣ 21 ጣብያታትን ጥዕናን 1 ሆስፒታልን ሙሉእ ንሙሉእ ዝዓነወ እንትኸውን÷ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ብገንዘብ እንትትመን ድማ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ግምት ዘለዎ ምዃኑ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።

ጣብያና ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዑደት ዝገበረሎም፤ ጣብያታት ጥዕና ጭፍራ፤ ዋኣ ኣማን ዳርሳጊታን በቲ ጉጀለ ግበረ ራዕዲ ናውትታት ሕክምናን መሳርሕታትን፤ በርን መስኮትን ከይተረፈ ልዑል ዕንወትን ጉሕለትን ተፈፂሙዎም ኢዩ።

ዝዓነዉን ዝፈረሱን ትካላት መሊስካ ንምጥያሽ ብፌደራልን ክልልን ሓባራዊ ኮሚቴ ዝተጣየሸ እንትኸውን÷ ክሳብ ሐዚ 14 ትካላት ጥዕና ጥራይ መሊስካ ምጥያሽ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ።

እቲ ከባቢ ንዓሶን ካልኦት ሕማማት ዝተቃልዐ ብምዃኑ፤ ቑፅሪ ሕሙማት እናወሰኸ ብምዃኑን፤ ኣግልግሎት ሕክምና ብሙሉእ ዓቕሚ ንምሃብ ሕፅረት ናውትታት ሕክምናን መድሓኒትን ከምዘሎ እውን እዩ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.