Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድሕንነት ህዝቢ ብምርግጋፅ ልምዓት ምቕፃል ንክከኣል ብዝተወደበ ትልሚ ክንምራሕ ኣለና-ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድሕንነት ህዝቢ ብምርግጋፅ ልምዓት ምቕፃል ንክከኣል ብዝተወደበ ትልሚ ክንምራሕ ኣለና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ተዛሪቦም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 9 ኣዋርሕ ዓመተ 2014 ኣብ ኣዳራሽ ኣባገዳ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ሽመልስ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ናይቲ ክልል ሰላም ፀፅታን፣ ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ምዕባለን ንምቕፃል ዝተማልአ ኣሰራርሓን ዝተናበበ ትልሚን ክንምራሕ ኣለና ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝረኣዩ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ፣ ስእነት ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ሰናይ ምምሕሸዳርን ብዝምልከት እውን ገሊፆም።

ትልሚ ልምዓት በጀት ዓመት 2015፣ ናይሪ ናብራ፣ ፀገም ስእነት ስራሕ መናእሰይ ኣብቲ መድረኽ ትኹረት ዝግበረሎምን ቀፃሊ ብኣፈፃፅማ ብምልላይ ኣንፈት ከምዝቕመጠሎም ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.