Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ኣድሂቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ፍትሒ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ኣድሂቡ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት እቲ ክልል ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ፍትሒ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ 13 ዞባታት እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ፕሬዝዳንታት ላዕለዎት ኣቢያተ ፍርዲ፣ ሓለፍቲ መምርሒ ፖሊስን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈታት ዓቃቢ ሕጊ ዞባታትን ተሳቲፎም።

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ዝድህስስ ብሰብ ሞያታት መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

እቲ መበገሲ ፅሑፍ ብዋንኡ፥ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዝፍፀም ማእሰርቲ፣ ዝተናወሐ ማእሰርቲ ቅድመ ክሲ፣ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝፍፀም ደብዳብ፣ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባር፣ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ዝፍፀም ምንጋዕን ናፅነት ኣቢያተ ፍርዲን ዝዳህሰሰ ከምዝኾነ ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘሎ ክፍተት ኣብቲ ክልል ዝረአ ፀገም ፀፅታ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝስርሑ ስራሕቲ ሕጊ ብዝሓለወ መልክዑ ክኾኑ ከምዝግበኦምን በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ እውን ዝረኣዩ ፀገማት ብቐረባ ክትትል ብምግባር መፍትሒ እናሃበ ከምዘሎ ሓሳብ ተላዒሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ዝተረፋ ዞባታት ተመሳሳሊ ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.