Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ልዕሊ 876 ኣባላት ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወፍሪ ህልውና ተግባራዊ ካብ ዝዀነሉ እዋን ጀሚሩ ዝተሰርሐ ስራሕ ዕዉት ውፅኢት ምምዝጋቡ መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዉ ዓውድታት ስራሕቲ ፀጥታን ልምዓትን ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ብምፍላጥ ይኹን ብዘይምፍላጥ ናብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝተፀምበሩ መናእሰይ ምስ ኣባገዳታት ብምዝርራብ 312 መናእሰይ ኢዶም ንክህቡ ከምዝተገብረ ገሊፆም።

ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ እናተሰርሐ ኣብ ዝርከብ ስራሕቲ ኣብ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ ልዕሊ 876 ዝዀኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብቲ መግለፂ ተመላኺቱ።

ድሕሪ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ልዕሊ 2 ሽሕን 4 ሚኢቲን ኣባላት እቲ ጉጅለ እንትድምሰሱ፥ ብጥቆማ ሕብረተሰብ 540 ዝዀኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ተገሊፁ።

ሓለዋ ከባቢ ብዝምልከት ድማ ንፍርያትን ፍርያታውነትን ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ሓለዋ ከባቢ ብደረጃ ክልል ብዕሊ ፅባሕ ከምዝጅመር ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ፍርያት ቀውዒ ኣብ ምእካብ ዕዉት ስሕ ከምዝተሰርሐ እውን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።

ብሕፅረት ዝናብ ድርቂ ኣብ ዝተኸሰተሎም ከባብታት ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ምብፃሕ ስራሕ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.