ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቀረብን ዝርገሐን ሲሚንቶ ኣብ ዘተኣጓጉሉ ዘይሕጋውያን ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቀረብን ዝርገሐን ሲሚንቶ ዘተኣጓጉሉ ዘይሕጋውያን ኣካላት ንምቁፅፃር ዘኽእል ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝኾነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ኣፍሊጦም።
ኣብታ ሃገር በቢእዋኑ ዋጋ ሲሚንቶ ንኽውስኽ ብፍላይ ፀገም ፀፅታ ብምፍጣር፣ ኣብ ውሽጢ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ኮይኖም ዋጋ ንኽውስኽ ዝገብሩን ዘይሕጋዊ ኬላታት ብምፍጣር ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ዘየዳግም ስጉምቲ ክዝውሰድ ገሊፆም።
እቲ ክልል ዘይሕጋውያን ኣካላት ንምቁፅፃር ዘኽእል ዳህሳስ መፅናዕቲ ገይሩ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ኣብሪሆም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዝርከቡ ኬላታት ወፃእ ብዘይሕጋዊ መገዲ ቀረፅ ዘኽፍሉ ኣካላት ስለዘለዉ እቲ ተግባር ንምትራፍ ናብ ስጉምቲ ተኣቲዩ ተባሂሉ።
ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ብግደኦም፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ቁፅፅር ብብርኪ ሃገር ይኹን እምበር፤ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚያ ሂቡ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ስጉምቲ ካብ ፍርያት ጀሚሩ ናብ ተረባሕቲ ክሳብ ዝበፅሕ ዘተኣጓጉሉ ኣካላት ንምቁፅፃር ዘኽእል ከምዝኾ ኣብሪሆም።
ሰብ ሃፍቲ ፋብሪካ ሲሚንቶ ከምኡ እውን ካብ ዘፈር ውልቀ ዝተውፃእፀኡ ኣካላት ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።