Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክቕፅል ንምግባር ኣባላት ፀፅታን ድሕንነትን ብቆራፅነት ክሰርሑ ይግባእ – ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክቕፅል ንምግባር ኣባላት ፀፅታን ድሕንነትን ብቆራፅነት ክሰርሑ ከምዝግባእ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብን ኣካቢ ኮማንድ ፖስት እቲ ቀጠናን ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝረተፈላለያ ዞባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ንዝተውፃእፅኡን በቢብርኩ ንዝርከቡን ኣባላት ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ከተማ ጎንደር እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም መምርሒ ስራሕ ዝሃቡ ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ብፈጠሮ ህውከትን ግርግርን ከምኡ እውን ዘረፋን ኲናትን ህዝቢ ንዝኸፍአ ፀገምን መከራን ከምዘቃልዖ ኣብሪሆም።

“እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ብዝተወሰደ ስጉምቲ እቲ ክልል ናብ ኣንፃራዊ ሰላም ምምላስ ተኻኢሉ ኢዩ፤ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ክቕፅል ንምግባር ኣባላት ፀፅታን ድሕንነትን ብቆራፅነት ምስራሕ ካብ ሰልጠንቲ ትፅቢት ይግበር” ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.