Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ካብ 1 ጥሪ ጀሚረን ትምህርቲ ከምዝጅምራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ካብ 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ክልተ ሰሙናት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጅምራ ሚኒስቴር ትምህርቲ አፍሊጡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጠረ እዋናዊ ፀገም ፀፅታ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ናይ መጀመርቲ ወሰነ-ትምህርቲ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ተምሃሮአን ንምፅዕን ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ሙሉእ ብሙሉእ ክጅምራ ኣይከኣላን ነይረን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ኮማንድፖስት እቲ ክልል፣ ውዳበ ፀፅታን ዝምልከቶም ኣካላትን ተኸከታታሊ ዘተታት እናካየደ ምፅንሑ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ፕሬዚዳንታ ዓሰርቲአን ዩኒቨርሲቲታትን እቲ ጉዳዩይ ዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታ እቲ ክልልን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ዝተፈጠረ ብምዃኑ እተን ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮ ምፅዋዕን ምምሃርን ከምዝኽእላ ኣብ ውሳነ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ካብ ዝቕፅል 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ክልተ ሰሙናት ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮአን ብምፅዋዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስረሐን ከምዝጅምራ ምሕባሩ ካብ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.