Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ዝፈፀሞ ወራር ስዒቡ ዝቐረበ ቃልሲ ህልውና ንምሕጋዝ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣቋፆም ዝነበሩ ኩሎም ካላት መንግስቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልለ ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ምስ ቃልሲ ህልውና ቀጥታ ርክብ ዘለዎም ካብ ዝተወሰኑ ትካላት ወፃእ ኩሎም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ትካላት መንግስቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም ነቲ ቃልሲ ህልውና ብዝተፈላለየ መልክዑ እናደገፉ ምፅነሖም ሓላፊ እቲ ቢሮ ግዛቸው ሙሉነህ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ወፍሪ ህልውና መልክዕ እናሓዘ ስለዝኾነን መብዛሕተኦም ቦታታት ካብ ወራር ናፃ ስለዝወፅኡን ኩሎም ትካላት ስሩዕ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመሩ ገሊፆም፡፡

ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ወጻእ መብዛሕተኦም ከባቢታት ካብቲ ወራሪ ጉጅለ ናፃ ሽለዝወፅኡ፥ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሓፈሻዊ ኩነታት ገምጊሙ እቲ ውሳነ ንኽቕየር ከምዝገበረ ዝሓበሩ ኣይተ ግዛቸው፥ እቲ ውሳነ ተሓሳቢ ዝገበረ ድማ ካልኦት ስራሕቲ ከይጉድኡን ኢኮኖሚ ከይዘሓሓልን ብዝብል ምዃኑን ገሊፆም፡፡

ኩሎም ትካላት መንግስቲን ሰራሕተኛታትን ጎድና ጎድኒ ስሩዕ ተግባራቶም ወፍሪ ህልውና ምድጋፎም ከምዝቕፅሉ ምሕታቶም ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.