Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተካየደ ዝርከብ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛም እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ይውገኑ ኣለዉ

ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተካየደ ዝርከብ ተግባር ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛም እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተወገኑ ምዃኖም እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ብስሩዕ ስርዓት ምኽባር ሕጊ ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ኮይኑ ብምርካቡ መንግስቲ ፌዴራል ኣድላዪ ማዕቐፍ ሕጊ ንኽትግብር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምሕታቱ ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብቲ ክልል ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንኽትግበር ብሙሉእ ድምፂ ዘፅደቐ እንትኸውን÷ ነቲ ኣዋጅ ዘተሓባብር እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኢዩ፡፡

ትማሊ ድማ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘሰናደኦ ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣመልኪቱ ልዝብ ኣካይዱ፡፡

ዋና ኣካቢ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብቲ ክልል ብዝተወደቡ ዘረፍቲ ጉጅለታት ዝተወለዐ ምንጋዕ ሰላም፤ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ምምሕዳራዊን ፀገማት ከምዝፈጠረ ገሊፆም፡፡

ዘረፍቲ ጉጅለታ ናይ ህዝቢ ግልጋሎት መውሀቢ ትካላት ግልጋሎት ከይህቡ ካብ ምትእጉጓል ሓሊፉ ኣብ ሓደሓደ ከባታት ኣቢያተ ህንፀት ሰቢሮም ገበነኛታት ከምልጡ ክሳብ ምግባር ዝበፅሐ ሽፍትነት ከምዝፈፀሙ ሓቢሮም።

ብፍላይ ሓረስቶት እቲ ክልል ስራሕቲ እዋን ክረምታዊ ማሕረስ ተረጋጊኦም ከይውግኑ ከምዝገበሩዎም ብምሕባር፤ ዜጋታት ብናፅነት ተንቀሳቒሶም ግልጋሎት ከይረኽቡ ከምዝገበሩ ተዘሪቦም፡፡

ብመንፅር እዚ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ምንጋዕ ሰላም ንምትዕርራይ እናሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

እቲ ዘራፊ ጉጅለ ናይ ህዝቢ መገልገሊ ትካላት ብምዝራፍን ብምዕናውን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ክልል ልዑል በደል እናፈፀመ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ህዝቢ ብሰላም ክፍታሕ ከምዘለዎ ብፅኑዕ የኣምን፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት እውን እዚ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ሕጊን ስርዓትን ናይ ምኽባር ስራሕ መንግስቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል እናተወገነ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛም እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ንኽብልን ነቲ ሰራዊት ክድግፍን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.