Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 313 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብወራሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝተመዛበሉ ወገናት ልዕሊ 313 ሺሕ ዝኾኑ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ኣብ ክልል ኣምሓራ መታሓባበሪ ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና ምግብን ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ እያሱ መስፍን÷ ልዕሊ 2 ነጥብ 3 ሚሊየን ወገናት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መረበቶም ብምምዝባሎም ንዝኸፍአ ፀገም ከምዝተሳጥሑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ከባቢታት ናፃ ምውፃኦም ስዒቡ ኣብ ደብረ ብርሃን፣ ሞጣ፣ መካነ ሰላም፣ ባህር ዳርን እብናትን ሓዊሱ ኣብ 7 ግዝያዊ መዕቆቢ ናቑጣታት ዝርከቡ ወገናት ናብ መረበቶም ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ፃዕሪ 163 ሽሕ ተመዛበልቲ ብሓገዝ መንግስቲ፤ ልዕሊ 150 ሽሕ ዝኾኑ ወገናት ድማ ብባዕልቶም ከምዝተመለሱ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ዝተረፉ ተመዛበልቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ መረበቶም ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ እያሱ÷ ተመላለስቲ ዕለታዊ ምግቦም ሒዞም ንክኸዱ ደገፍ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ሰሜን ሸዋ፣ ሰሜንን ደቡብ ወሎ፣ ዋግ ህምራን ዞባታት ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት 82 ሽሕ 942 ኩንታል እኽሊ ድጋፍ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት እቲ ክልል ንዝርከቡ ወገናት ክሳብ ሐዚ 340 ሺሕ ኩንታል እኽሊ ብምግባር ንልዕሊ 2 ነጥብ 5 ሚሊዮን ወገናት ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኻኣለ ኣዘኻኺሮም፡፡

ነቶም ወገናት መሊስኻ እግሪ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.