Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ 98 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ደገፍ ንዘድልዮም ወገናት ዝኸውን ልዕሊ 98 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝስራሕ ዘሎ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ  ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ÷ ምግቢን ሃነፅቲ ምግቢታትን ሓዊሱ 89 ሽሕን 217 ሜትሪክ ቶንን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኸፋፈለ ሓቢሮም።

ካብዚኦም ድማ ልዕሊ 13 ሽሕን 686 ሜትሪክ ቶን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ግዳያት ልዕሊ 1 ሽሕን 222 ሜትሪክ ቶን መድሓኒትን 7 ሽሕን 651 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ተንከፍ ዘይኾኑ ናውትታት ከምዝተኸፋፈለ ገሊፆም።

ንመካየዲ ስራሕን ንመፈፀሚ ፕሮግራምን ዝውዕል ልዕሊ 576 ሚሊየን ብር ናብ ከተማታት ሽረን መቐለን ከምዝተለኣኸ እውን ኣልዒሎም።

ብኻሊእ ገፅ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕል ልዕሊ 690 ሽሕን 868 ሊትሮ ነዳዲ ናብቲ ክልል ከምዝተጓዓዓዘ ኣይተ ደበበ ተዛሪቦም።

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ÷ ብኮሪደራት ዓፋር ኣብዓላ፣ ብጎንደር-ማይፅብሪን-ሽረን ብኮምቦልቻ-ቆቦ ኣላማጣን ከምዝተላእኸ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ 23 መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ እናሳተፉ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.