Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ 400 ሺህ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ንሓረስቶት ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ካብ ዘድሊ 700 ሺሕ ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) እቲ ልዕሊ 400 ሺሕ ኩንታል ንሓረስቶት ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ፡፡

ዝተረፈ 300 ሺሕ ኩንታል መዳበሪያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ክበፅሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ኣመልኪቶም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ነቲ ዘበነ ምህርቲ ካብ ዘድሊ 150 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ጣፍን ስርናይን 40 ሺሕ ኩንታል ከምዝተኣከበ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት እቲ ክልል ዝናብ ምውቅዒ ስዒቡ ድማ ከም ምሸላ፣ ምሸላ ባሕሪን ዳጉሻን ዝበሉ ዝራእቲ ከምዝተዘርኡ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝህሉ ዝናብ ስዒቡ ሓደጋ ውሕጅ ክህሉ ስለዝኽእል ካብ ብሕዚኡ ስራሕቲ ምክልኻ ውሕጅን ስራሕቲ ምዕቛር ጠሊን ክውገን ከምዝግባእ እውን  ኣገንዚቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.