ኣብ ክልል ትግራይ ፅባሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 3 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ፅባሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 3 ሚሊየን ፈልሲ ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት÷ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 3 ሚሊየን ፈልሲታት ኣብ 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝተከሉ ተዛሪቦም።
ምስ እዚ ጎድና ጎድኒ ኣብ 45 ወረዳታት ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር÷ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ኣመራርሓታት ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ብዕሊ ከምዝጅመር ገሊፆም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ክፋላት ሕብረተሰብ ከምዝሳተፉ ኣመልኪቶም።
እቶም ሓላፊ ኣብ መብርሂኦም÷ ኣብ 64 መፈልፈሊ ጣቢያታት ፈልሲ ዝተሰናድኡ ኢኮኖሚያዊን ኩለመዳይ ረብሓን ዘለዎም ልዕሊ 10 ሚሊየን ፈለስታት ከምዝትከሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com