ኣብ ክልል ትግራይ ግደ መናእሰይ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ኢ)ኣብ ዓዲግራት ግደ መናእሰይ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ መናእሰይ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ብዝብል መራሒ ሓሳብ ምሰ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
መናእሰይ፥ ኣብ ምእላይ ጎንፂ፣ ምስፋሕ ምህዳር ዴሞክራሲ፣ ምዕሟቕ ኣንፃራዊ ሰላም ዝለዓለ ብፅሒት ስለዘለዎም ኣብ ኩለመዳይ ህንፀትን ዳግመ ሕውየትን ቀጥታዊ ተሳትፎ ክህልዎም ይግባእ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕርቡ መምህር ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ያሬድ ንጉሰ፥ መናእሰይ ኣብ ዕብየት ዓዲ ወሳናይ ግደ ስለዘለዎም ተሳተፍቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ወሰንቲ ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።
እቲ መድረኽ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ይቕፅል ከምዘሎ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ የረድእ።