Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓሰለ ኣንፃራዊ ሰለም ናብ ስሩዕ ስራሕና ክንምለስ ገይሩና – ሓረስቶት ትግራይ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝዓሰለ ኣንፃራዊ ሰለም ናብ ስሩዕ ስራሕና ክምለሱ ከምዝገበሮም ሓረስቶት ትግራይ ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ሓረስቶት ናብ ሰላም ዝተገበረ ስግግር ካብ ተሓጋዛይነት ብምውፃእ ስራሕቲ ሕርሸኦም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።

እቶም ሓረስቶት፥ ሕፅረት እታወት ሕርሻ ከምዘለዎምን እታወታት ብዘይስሩዕ መገዲ ብክባር ዋጋ ንምግዛእ ከምዝተገደዱን ብምሕባር መንግስቲ  ሓገዝ ንኽገብረሎም ሓቲቶም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ እታ ወረዳ መተሓባባሪ ስራሕቲ መስኖ ኢዮብ ገብረ መድህን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብታ ወረዳ 1 ሺሕን 100 ሄክታር ብመስኖ ሓጋይ እናለምዐ ይርከብ።

ፀገም ቀረብ መዳበርያ (ዘበናዊ ዱኽዒ)ን ነዳዲን ከምዘሎ ብምሕባር፥ በዚ ድማ ሓረስቶት ስረሖም ንምስላጥ ብፀሊም ዕዳጋ ክሳብ ምትዕድዳግ ከምዝበፅሑ ኣብሪሆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣሕምልቲ፣ ምሸላ ባሕሪ፣ ዓተር፣ ሽጉርቲን ካልኦት ፍርያታትን ብመስኖ እናልምዑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ኣባል ጉጅለ ምትሕብባር ሰላምን ፀፅታን መንግስቲ ፌደራል ታከለ ቶሎሳ÷ ፀገም ቀረብ እታወት ንምፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.