Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ካልኣይ ምዕራፉ ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ካልኣይ ምዕራፉ ከምዝተዛዘመን ኣባላት እቲ ጁንታ ኣብ ዝቕፅሉ 72 ሰዓታት ኢዶም ብሰላም ንኽህቡ ፃውዒት ምቕራቡን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ኣብ ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቱ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር አብይ ኣሕመድ ዝተሓላለፈ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ዝኸበርኩም ህዝብታት ሃገርና፤
ቅድም ክብል ኣብ ክልል ትግራይ እነካይዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ሰልስተ ምዕራፋት ከምዝህልዎ ምሕባርና ይዝከር፡፡ ክካየድ ዝፀንሐ ካልአይ ምዕራፍ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዛዚምና፣ አብ ናይ መወዳእታን ወሳንን ዝኾነን ሳልሳይ ምዕራፍ ንርከብ።
ፈላማይ ምዕራፍ፤ ብወገኑ ዝተወግአን ጥቅዓት ዝበፅሖን ሓይሊ ምክልኻል ምትእኽኻብን ምጥንኻርን፣ ከምኡ ድማ ተቋሪፁ ዝነበረ ሰንሰለት ናብ ንቡር ብምምላስ እጃሙ ክዋፃእ ምኽኣል ነይሩ ። ብመሰረት እዚ፣ ሰራዊትና ካብ ዘጋጠሞ ቁስሊ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብህፁፅ ሓውዩን ሓገዝ ህዝቡ ኣብ ልቡ ኣሕዲሩን፣ ብዝለዓል ሓቦን ሕላገትን ክሕደት ሃገር ንዝፈፀመ ጉጅለ ሕወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብዝተፈላለዩ አንፈታት ተንቀሳቒሱ ይርከብ፡፡
ዕላማ ስጉምቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ፣ ጉጅለ ጁንታ ሕወሓት ካብ ዝነቆጠለን ቦታታት ከንሳሕብ ብምግባርን ዘሪፉ ሒዝዎ ዝነበረ ዓቕሚ አፅዋር ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር፣ ካብ መቐለ ወፃኢ እዚ ከሓዲ ሓይሊ ሒዝወን ዝነበረ ቦታታት ነፃ ምውፃእ ፣ ዝተዘረፈ ዕጥቅን ካምፕን መሊስካ ምሓዝ፣ ዝዘረፎም ስትራቴጂክ ዕጥቅታት ንጥፍአት ከይተጠቀመሎም ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ምግባር፣ ብግዳጅ ዝሓዞም አባላት ሰራዊት ምድሓን፣ ዝተሰውኡ ምቅባርን ሓደጋ ዝበፅሖም ዜጋታትና ዘድሊ ድጋፍ ምግባር፣ ከምኡ እውን መሕብኢቱ ዝኾነት ከተማ መቐለ ምኽባብ ዝርዝር ዕላማ ስጉምቲ ካልኣይ ምዕራፍ ነይሩ።
በዚ መሰረት ኣብ ዳንሻ፣ ሑመራ፣ ሽረ፣ ሸራሮ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋ፣ ዓድግራት፣ ኣላማጣ፣ ጨርጨር፣ መኾኒ ፣ኮረምን ካልኦት ቦታታትን ብዝተወሰደ ስጉምቲ፣ ሰራዊትና ህዝቢ እናድሓነን ዓወት እናመዝገበን ተጓዒዙ እዩ። ህዝቢ ከይጉዳእ ብዘለዎ ልዑል እምነትን ግልፂ ዕላማን፣ ኣብ ከተማታት ከባቢ ዝካየድ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ጉድአት ከየስዕብ፣ ሰላማዊ ዜጋታት ዒላማ ከይኾኑ፤ ታሪኻዊ ቦታታት ፣ ሓድግታት፣ ናይ እምነት ቦታታት፣ ንህዝቢ ግልጋሎት ዝህቡ ቦታታት ፣ መሰረተ ልምዓታት ፣ ሃፍትታት ተፈጥሮ ዝርከብሉ ቦታታት ለዑል ጥንቃቀ ተገይሩ እዩ።
እዚ ሓይሊ ጥፍአት ሓይሊ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ንኽሰፍሕ ዋላኳ ልዑል ድልየት ተነበሮ ፤ አብ ኩለን ምንቅስቓሳት ምኽባር ሕጊ ሓሊ ኣየርና ንህዝቢ ብዝህቦ ልዑል ጥንቃቕ ዒላማ እብ ዝተገብሩ ከባቢታት ዋላ ሓደ ሰላማዊ ሰብ እኳ እንትርከብ ዝፀዓንዎ ዕጥቂ ሒዞም ክሳብ ምምላስ ዘኽእል ውሳነን ቆራፅነትን ተሓንጊጦም ዝንቀሳቐሱ እዮም፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ ምንም ዓይነት ሓላፍነት ዘይስምዖ ጉጅለ ጥፍአት ኣብ ቤት እምነታትን ሓድግታትን ዘለውዎም ቦታታት ኩናት ንምኽፋት ዝነበሮ ድልየት ውሕልናን ጥበብን መሪሕነት ብዝተመልኦ ሰራዊትና ብዝተኻየደ ኦፕሬሽን ክፈሽል ክኢሉ እዩ፡፡
ነፃ ዝወፁ ከባቢታት ድማ ብዓበይቲ ዓዲ ተገይሩ ህዝቢ መሊሱ ክጣየሽ ፣ ብመከላኸሊ ሓይሊ ምኽንያት ዝተጎድኡ ወገናት ክድገፉ፣ ህዝቢ እቲ ዝተፈፀመ ሓቂ ክርዳእን አካል ክይዲ ምኽባር ሕጊ ክኾንን ምግባር ተኻኢሉ እዩ። ዝተባላሸዩን ዝተበታተኹን ማሕበራዊ ትካላት፣ መርበባት መራኸቢ፣ መሰረተ ልምዓት መጓዓዝያ ብምፅጋን፣ ህዝቢ ንፋስ እዱንያ ምትንፋስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ስጉምቲ ካልኣይ ምዕራፍ ሕዝቢ ዘድሓነን፣ ስሕበት ሓይሊ ጁንታ በጣጢሱ ዓቅሙ ናብ መቐለ ምፅባብ ተኻኢሉ እዩ። ሐዚ ተሪፉ ዘሎ ጉልበት፣ ኣብ መቐለ ዘጠናኸሮ ምሽግን ሓል-ሓሊፉ ዘስምዖ ከንቱ ፈኸራን እዩ።
ኣብ ኩለን ስጉምቲታት ምኽባር ሕጊ፣ ህዝብና ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሓይሊ ምኻኑ ብግልፂ ኣርእዩ እዩ። እቲ ሓይሊ ጥፍኣት፣ ብዛዕባ ሓይሊ ምክልኻል ዝነዝሖ ፕሮፖጋንዳ ሓሶት ሙኻኑ ሕዝቢ ትግራይ ብዓይኑ ከረጋግፅ ኪኢሉ እዩ። ሓይሊ ምክልኻል ሀገር ሰራዊቱ ካብ ጥፍኣት ንምክልኻልን ደሕንነቱ ንምርግጋፅን ዝኸፈሎ መስዋእትነት ህዝቢ ባዕሉ ምምስካር ጀሚሩ አሎ ። በብመዓልቱ ካብ ቁርሱ ቀኒሱ ንሰራዊት ብምምጋብ፣ እቲ ከሓዲ ጉጅል ዝተንቀሳቀሰለን ከባቢታት ብምሕባር፣ ዝተሓብኡ ዕጥቅታትን ዝተፈላለዩ መሳርሕታትን ብምግላፅ ኣብ ጎኒ ሰራዊትና ኮይኑ ዘደንቅ ተጋድሎ ገይሩ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ በዚ አጋጣሚ እዚ በዚ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ክሳብ ክንደይ ሰንሰን ከምዘበለ ብግልፂ አርእዩ እዩ። ሓሊ ምክልኻል ሃገር ሽረ ምስ ኣተወ፣ ብዕልልታን ሆታን ካብ ምቕባሉ ብተወሳኺ፣ ካብ ክልተ ሚኢቲ ንላዕሊ እዚ ጁንታ ሓቢኡ ዘቐመጦም ዕጥቂታት ኣኪቦም ንመከላከያ አረኪቦም እዩም። ብተመሳሳሊ ሰራዊትና ኣኽሱም ምስ ኣተወ ህዝቢ ኣኽሱም ኣብቲ ከሓዲ ቡድን ኢድ ወዲቆም ዝነበሩ አባላት መከላኸሊ እዚ ሰሜን ነፃ ክወፁ ገይሩ፣ ዝቖሰሉ ሓኪሙን ሓብሒቡን ፣ ብኽብሪ ንሓይሊ ምክልኻል አረኪቡ እዩ። ህዝቢ አክሱም፣ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ኣክሱም ክኾን ካብ ምሕታት ሓሊፉ፣ ኣብ ምኽባር ሕጊ እውን ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልኻል ኮይኑ፣ ኣብ ምዕዋት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ቆራፅነቱ አመስኪሩ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ሰራዊትና፣ ኣብ ዓድግራት ምስ ኣተወ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ንፉልይ ሓይልን ምልሻን ካብ ዝተሓብእዎ እናውፅኣ ንሓይሊ ምክእኻል ኣረኪቡ እዩ።
እቲ ካብዚ ብተፃራሪ ደው ዝበለ ከሓዲ ጉጅለ፣ ክንደይ ሃፍቲ ሃገር ዝፈሰሶም መሰረተ-ልምዓታት እናፍረሰ፣ ጥዕና ጣብያታትን ቤት ትምህርትታትን ካብ ጥቅሚ ወፃኢ እናገበረ፣ መንገድታትን ቢንቶታትን እናሃንድሰ ሀዲሙ እዩ። ናይታ ታሪኻዊት ቦታ ኣኽሱም አውሮፕላን መዕረፊ ከይተረፈ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ንዝህሉ ምንቅስቓስ በፃሕቲ ዓዲ ዘይርሳዕ በሰላ ገዲፋ ኣሎ።
ህዝቢ ክልልና ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዝገብረሎም መንገድታት ብዶዘር ምፍርራሱ ከይኣኽሎ ከተማ መቐለ ዓውዲ ጦርነት ንምግባር ምድላዉ ክንዲ ጣፍ ትኣክል ሓላፍነት ዘይስመዖ ጉጅለ ጥፍኣት ሙኻኑ ብግልፂ ኣርእዩ እዩ።

ዝኸበርኩም ኢትዮጵያውያን፤
ጉዕዞ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ናብቲ ወሳናይ ዝኾነ ሳልሰዋይ ምዕራፍ ተሰጋጊርና አለና፡፡ ሳልሰዋይ ምዕራፍ ነዚ ከሓዲ ጉጅል ንብ ሕጊ ንምቕራብ ዝካየድ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ እዩ፡፡ ብኡ ልክዕ ድማ ፍሉይ ጥበብን ውሕሉል ጥንቃቀን፣ ትዕግስትን ዝደሊ ሙኻኑ ግልፂ እዮ።
እዚ ከሓዲ ጉጅለ፣ ንኾነይኹን ፀጋታት ህዝቢ ክብሪ የብሉን፤ ንህዝቡ፣ ንታሪኹ፣ ንባህሉ፣ ንሓድግታቱን ንእምነቱን ክንዲ ፍረጣፍ ትአክል ርህራሄ ዘይብሉ ሙኻኑ አመስኪሩ እዩ። ንሱ ጥራሕ ካብ ሕጊ ተሓታትነት ዘምልጥ ይምሰሎ እንበር ኩሉ ነገር ጠፊኡ በይኑ ተዝተርፍ ሕጉስ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ እምነታት፣ ሆቴላት፣ ህንፃታት መንግስቲ፣ መንበሪ ስፍራታት፣ ቤት ትምህርትታት፣ ቅርስታትን ስፍራታት መቓብርን ከይተረፈ ከም ድፋዕ ተጠቒሙሎም ይርከብ።
ምጥፍኡ ዘይተርፍ ብዙሕ ነገራት ሒዙ ንምጥፋእ ተዳልዩ ይርከብ። ልክዕ ከምቲ አብ ሓደ ሓደ ዓድታት ንርእዮ ጉጅለታት ራዕዲ ንህዝብን ንሃገርን ዋላሓንቲ ቆላሕታ ዘይብሎም ሓይልታት ራዕዲ ከም ዝገብርዎ፣ እዚ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍአት እውን መቐለ ከም መንበሪት ከተማ ዘይኮነስ ከም ዓውዲ ኺናት ገይሩ ቆፂርዋ አሎ። ብምኽንያት እዚ ጉጅለ ጥፍአት ክሞቱ ዝተገደዱ ነበርቲ ዜጋታትና ስለዝኾኑ፣ እቲ ዝበርስ ከተማ ፅባሕ መሊስካ ምህናፅ ዘይሩ ዘይሩ ሓላፍነት ባዕልና ስለዝኾነ፤ አብ መቐለ ዝህልወና ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብልዑል መጠን ጉድኣት ብዝቅንስ መንገዲ፣ ምክያድ ከምዝግባእ ንኣምን።
ስለዝኸነ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ዝኸፍአ ጉድኣት ሐሊና፣ ብቕዓት ዝተመልኦ ኦፕሬሽን አካይድና ብዓወት ንዛዝመሉ መንገዲ ከምእንሕንፅፅ ክገልፅ ይፈቱ። መንግስቲ እዚ ዝገብር ዘሎ ብምኽንያት እዚ ከሓዲ ጉጅለ ህዝብን ሃገርን ከይጉዳእ ብምድላይ እዩ።
ስለዝኾነ እውን፡-
ቐዳማይ ፡ – ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ወሰንቲ ተዋሳእቲ ክትኾኑ፣ ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልኻል ኮይንኩም ኣባላት እዚ ከሓዲ ጉጅለ ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ወሳናይ ግደኹም ክትዋፅኡ ፃዊዒተይ የቅርብ።
ንዞም ውሑዳትን ሱሱዓትን ኣባላት ጁንታ ክበሃል ዋላ ሓደ ሰብ ክሞት፣ ንብረት እውን ክጠፍእን የብሉን። ንዚ ከዓ ናታትኩም ምትሕብባር ዘይትካእ ግደ ዘለዎ ሙኻኑን ብዙሓት ጉዳያት ከምዘቕልልን ግልፂ እዮ።
ካልኣይ ፡ – ዕላማ እዚ ከሓዲ ጉጅለ ተፈፅሙ ዘለኹም ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ፣ ሐዝውን ተኾነ ኢድኩም ብሰላም ንምሃብ አይረፈደን። ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ምኽባር ሕጊ ዘለና ሙኻና ተረዲእኹም እዚ ዘይድገም ወርቃዊ ዕድል ክትጥቀሙሉን ካብዛ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ዘለዋ 72 ሰዓተታት ውሽጢ ኢድኩም ብሰላም ንሓይሊ ምክልኻል ሃገር ክትህቡ ደጊምና ንሓትት። እዛ ናይ መወዳእታ ወርቃዊት ዕድል ተጠቐሙላ።ተወሳኺ ህልቂት ህዝቢ ካብ ምፍጣርን ከተማ ካብ ምብራስን ተቆጢብኩም፣ ካብ ታሪኽ ውግዘት ክትድሕኑ ፃውዒት ነቅርብ።
ኣብ መወዳእታ፡- መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክርድኦ እንደልዮ ዛዕባ፣ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ሳልሳይ ምዕራፍ ምስ ምዝዛም ጎኒ ንጎኒ ብሰንኪ እዚ ሓይሊ ጥፍአት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተበቲኖም ዝርከቡ ወገናትና ናብ ቦትኦም ንምምላስ፣ ዝተመዛበሉ መሊስካ ንምጥያሽ፣ ዝፈራረሱ መሰረተ-ልምዓታት ንምፅጋን፣ ነፃ ኣብ ዝወፁ ቦታታት ዝርከቡ ዜጋታትና ናብ ንቡር ሂወቶም ንምምላስ ብኹለመዳይ ምድላው ጌርና ኣለና። ናብ ተግባር ክንአቱ ከለና ኢድና ከይሓፅርን ዓይንና ናብ ካልኦት ከየማትእን ኹሉ ኢትዮጵያዊ እጃሙ ከወፊ ክለዓል ፃዊዒት ነቅርብ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ዝፀንሓን ዝጎልበተን ናይ ምትሕግጋዝን ምርድደእን ባህልና ከየላሕላሕና ናይ ማንም ወፃኢ ኢድ ከይተፀበና ወገናትና ባዕልና ክነጣይሽ ይግባእ። ኣካል እቲ ብመንግስትን ብዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ክትኾኑ ፃዊዒት የቅርብ።

ኢትዮጵያ ብደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.