Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዞባ መተከል ንኽድገም ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ንኽድገም ተሓቲቱ።

ኣባላት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂበን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተዛቲየን፡፡

እቲ ጁንታ ኣብ ዞባ መተከል ዘሎ ውዳባ ምምሕዳር ብምፍራስ ብናይ ባዕሉ ጉጅለ ንምትካእ ፃዕሪ ከምዝገበረ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ፡፡

ዘይሕገመንግስታዊ ተግባር ህወሓት ብጥዑይ ኣእምሮ ዘይሕሰብ ኢዩ ዝበላ ተዛተፍቲ እቲ ዘተ፥ ነቲ ተግባር ጥፍኣት ኮኒነን፡፡

ኣብ ዞባ መተከል እናተፈፀመ ዝርከብ ግፍዒ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ዘይንእስ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡

ህወሓት ኣብ መተከል ዘብፀሖ ጥፍኣት ቀንዲ ተጠቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ከምዝኾና ብምፅራሕ፤ እቲ ፀገም ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ብቕልጡፍ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝግበኦም ዝሓበራ እተን ኣባላት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዞባ መተከል ንኽድገም እውን ሓቲተን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.