Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሆስፒታላት እተን 75 ሚኢታዊ ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከባ ሆስፒታላት እተን 75 ሚኢታዊ ሙሉእ ቡሙሉእ ስረሕን ከምዝከመራ ማእኸል መተሓባበሪ ብሄራዊ ሃንደበታዊ ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ብኣባል ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ዝተሰርሑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምኡ እውን መሊስካ ምጥያሽ ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣብ ዘፈር ጥዕና ኣብቲ ክልል ካብ ዝርከባ ሆስፒታላት 75 ሚኢታዊ ዝኾና ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ከምዝጀመራን 10 ሚኢታዊ ሰድማ ብኽፋል ኣገልግሎት እናሃባ ከምዝኾኾናን ተሓቢሩ።

ግልጋሎት እናሃባ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ስረሖም ከምዝርከቡ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 30 ተንቀሳቐስቲ ግልጋሎት ሕክምና ዝህቡ ጉጅለታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምዝውዋር ንማሕበረሰብ መሰረታዊ ግልጋሎት ጥዕና እናሃቡ ይርከቡ።

54 ኣምቡላንሳት ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት እናሃባ እንትኾና፥ ኣብ ቀፃሊ እዋን እውን ተወኽቲ 52 ኣምቡላንሳት ተፀጊነን ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምራ ኢየን ተባሂሉ።

ኣብቲ ገምጋም ኣቢያተ ትምህርቲ ናብ ትምህርቲ ንምምላስ፣ ተጠቀምቲ ሴፍቲኔት ዝርገሐ ምግቢ፣ ቀረብ መስተ ማይን ፅሬትን፣ ንስራሕቲ ሕርሻ ዝኸውን ሓገዝ ናውቲ ምግባር፣ ውዳበታት ፍትሒን ፀፅታን ናብ ስራሕ ናይ ምእታው ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምውዳድ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረብ ሓገዛት ብዝተጠናኸረ መልክዑ እናቐረበ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.