Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መስሕብ ቦታታት ዝርከቡሉ ኩነታት ንምፅናዕ ቅድመ ምድላው ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝነበረ እዋናዊ ኩነታት ምኽንያት ንዝተወሰኑ ዓመታት ክትትል ዘይተገበረሎም መስሕብ ቦታታት ዝርከቡሉ ኩነታት ንምፅናዕ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ቱሪዝም ገሊፁ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ÷ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሙሉእ ብሙሉእ እንትስተኻኸል ሓድጊታትን ፓርክታትን ከምኡ እውን ካልኦት መስሕባት ኣብምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ብዝርዝር ንምፅናዕ ዘኽእል ምድላው ይግባር ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን መፅናዕቲታት ንምክያድ ዘኽእሉ መሳርሒታት እናተሰናድኡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ተዛሪቦም፡፡

ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ድማ እቲ ሚኒቴር ምስ ሓለዋ ዱር እንስሳት ኢትዮጵያን በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያን ብምዃን ግቡእ ሓገዝ ከምዝገብር ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድሕሪ ጎንፂ ኣብ ክልላት ኣምሐሳራን ዓፋርን ምስ ዘፈር ቱሪዝም ተተሓሒዞም ዘለዉ ጉዳያ ንኽፅንዑ ብዝተጀመረ ምንቅስቓስ፤ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ መሰረት ብምግባር ሓገዝ ምግባር ከምዝተጀመረ ገሊፆም፡፡

ሚኒስቴር ቱሪዝም ብተፀዋዕቲ ትካላቱ ኣቢሉ ንዕቤት ቱሪዝም ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣፍሊጦም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.