ኣብ ክልል ትግራይ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) እናቐረበ ምዃኑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ብፅቡቕ ኩነታት እናቐረበ ከምዝርከብ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ክቐርብ ዘለዎ መዳበሪያ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ጅቡቲ ናብቲ ክልል ከምዝበፅሕ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡
ሚኒስቴር ሕርሻ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን መተሓባበርቲ ፕሮጀክትን ብምዃን÷ ፕሮጀክታት ልምዓት ብሙሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ ዝኣትዉሉ ከነታት ጠሚቶም ልዝብ ኣካይዶም፡፡
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሚኒስቴር ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብዝተፈላለዩ መገዲታት ሃፍቲ ኣብ ምትእልላሽ ናብ ስራሕ ብምእታው ንሕርሻ እቲ ክልል እናሓገዘ ይርከብ፡፡
ሓላፊ መተሓባበሪ ዳግመ ህንፀትን ምጥያሽን ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ቴዎድሮስ ገብረእግዚኣብሄር ብግደኦም÷ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብቲ ክልል ቀልጢፉ ብስፍሓት ስለዝኣተወ ኣመስጊኖም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ምቹው ኩነታ ስራሕ እናተፈጠረ ስለዝኾነ÷ እቲ መድረኽ ዘተ ነዚ ዕድል ብምጥቃም ቡሙሉእ ዓቕሚ ፕሮጀክታት ናብ ስራሕ ክኣተው ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት መፍትሒ ሓሳባት ንምምፃእ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓት እንታይ ስራሕቲ እናወገኑ ከምዝርከቡን ዘጋጠሙዎም ማሕለኻታትን ዝምልከት ነቶም ሚኒስትር ኣቕሪቦም፡፡
ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ስልጠና ሰራሕተኛታት፣ ኣከፋፍላ መሃያ፣ ዕድጊት ኣቑሑን መሰል ጉዳያትን ዝርከቡሉ ኩነታት ብዝርዝር ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com