ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ንዓውዲ ሕርሻ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ከምዝገብር ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንዝውገኑ ስራሕቲ ሕርሻ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ፅቡቕ መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
አብ ግዚያዊ ምምሕዳር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ሓረስቶት እቲ ክልል ብስፍሓት ዝተሳተፉሉ ናፃ ዕቀባ ሓመድን ማይን እናተኻየደ ይርከብ።
ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ክሳብ ሕዚ 14 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝተዋደደ ሓለዋ ማይን ማይን ከምዝተወገነ ገሊፆም።
እቲ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ቀፃሊ ንዝካየድ ተግባራት ልምዓት ሕርሻ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ፅቡቕ መሰረት እናንበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ምስራሕ ወሳሚ ከምዝኾነ ምስ ሓረስቶት ኣቐዲሙ ብዝተገበረ ምይይጥ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ኣዘኻኺሮም።