Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየዱ ተግባራት ምክልኻል ሕማም ዓሶ ሓገዝ ከምዝገብር ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዝካየዱ ተግባራት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ብሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት ሮማናት፣ ማይቅነጣል፣ ዕዳጋ ዓርቢና ሓውዜንን ዝርከባ ትካላት ጥዕና ስራሕቲ ምንቅስቓሰን ተዓዚቡ።

ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና ነተን ትካላት ጥዕና ብኣካል ተረኺቦም ብምርኣዮም ምልዕዓል ስራሕ ከምዝፈጠረሎም ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፆም።

ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ኬሚካል ፀረ ሕማም ዓሶ፣ ዓራትን ዛንዜራን ከምኡ እውን መድሓኒት ንኽማለአሎም ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ ከምዝበሉዎ÷ ከም ሃገር ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘድልዩ እታወታት ንምምላእ ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ናብ ትግራይ ዝመፃእና ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝተውሃበ ቅልጡፍ ምላሽ፣ ቀረብ እታወት፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን እቲ ሕማም ንምክልኻል ቀዳማይ ዛዕባ ብምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ንምርኣይን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማትን ንምዕዛብ ኢዩ” ኢሎም።

በዚ ድማ እቲ ክልል ሕማም ዓሶ ንምክልኻል እናገበሮ ዝርከብ ልዑል ፃዕሪ ብምንኣድ፤ እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣገንዚቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ተጠናኺረሮም ክቕፅሉ ይግባእ ዘበሉ ዶ/ር ደረጀ÷ ምስ ሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምትሕብባር ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ከምዝስራሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.