Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ንምጅማር እናተሰርሐ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ ንምጅማር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ገለፁ፡፡

ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያታትን ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓታት ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዘቲዮም፡፡

ንፈተነ ኣብ ዝተኻየደ ትዕዝብቲ መስክ ከምዝተረጋገፀ፥ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መሰረተ ልምዓታት ትምህርቲን እታወታትን ብጉጅለ ጥፍኣተው ህወሓት ጉድኣት ከምዝበፀሖምን ከምዝተዘረፉን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ እቲ ሚኒስቴር፡፡

እቲ ሚኒስቴር፥ ስራሕቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ መንግስቲ እቲ ክልልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝገብሩዎ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝን ክትትልን ከምዝገብር ሚኒስትር ዲኢታ ትምህርቲ ሁሪያ ዓሊ ኣረጋጊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.