ኣብ ክልል ትግራይ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬትን ኣብ ረብሓ ንምውዓል ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብ ክልል ትግራይ ክልል ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬትን ብርኪ ብብርኪ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእል ፕሮጀክት ብምሕንፃፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ መስኖን ቆላማ ከባቢን እንድሪያስ ጌታ (ዶ/ር) ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ክልል ብመስኖ ክለምዕዝኽእል መሬት ኣብ ረብሓ ብምውዓል ፍትሓዊ ተረባሕነት ንኽረጋገፅ ይሰርሕ ኣሎ።
ሓረስቶት ትግራይ ብርእሰ ተበግሶ ዝጀመሩዎም ምንቅስቓሳት ልምዓት መስኖ ዝበረታትዑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ “ብብርኪ ሃገር ማይ ማእኸል ዝገበረ ልምዓትን መፍረያይነትን ኣብ ምዕባይ ንኢኮኖሚ ሃገር ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።
ማይ ብግቡእ ንመስኖን ፅሩይ መስተ ማይን ክውዕል ምስ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሚኒስቴር ሕርሻን ከምኡ እውን ምስ ክልል መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ክልል ትግራይ ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል መሬትን ዓሚቕ ዓቕሚን ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ዴኤታ÷ ብብርኪ ብብርኪ ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ቆላማ ከባቢ እቲ ክልል ሰፊሕ ልምዓት ዘይተሳለጠሉን ትኹረት ዘይተውሃቦን ከምዝነበረ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ክልል ምስቲ ሚኒስቴር ብምትሕብባር ልምዓት መስኖ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ፕሮጀክታት ብምሕንፃፅ ብዘላቒነት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።