Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ ክብል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ።

ዳይሬክተር ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክራማት ዝትከል ፈልሲ ንምክንኻንን ንምሕላውን ካርታ ተኸላ ተሰናዲኡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም  ፈልሲታት ፍራምረ ሓዊሱ ንደኒ፣ ፅባቐ ከተማን ስነ ምህዳርን ንምሕላው ዘኽእሉ ፈልሲታት ይትከሉ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ንምሽፋን 33 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተዳለዉን ናብ ተግባር ከምዝተኣተወን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክሳብ ሐዚ  19 ሚሊየንን 668 ሺሕን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ እወነ ኣብሪሆም።

13 ነሓሰ ኣብ ሓደ ፀሓይ 900 ሺሕ ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.