Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ሕማም ዓሶ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ተግባራት ይውገኑ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ክራማት ንዘጋጥም ሕማም ዓሶ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ተግባራት ይውገኑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቲ ክልል ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ኬሚካልን መድሓኒትን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ከምዝረኸበ እውን ተሓቢሩ።

ተወካሊ ኣተሓባባሪ ምቁፅፅርን ምውጋድን ሕማም ዓሶ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ፥ ኣብቲ ክልል ንሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣገልግሎት ዝህቡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዛንዜራታት ከምዝተወዝዑ ተዛሪቦም።

እቲ ሕማም ብስፍሓት ከጋጥመለን ዝኽእላ 6 ወረዳታት ዝኸውን መድሓኒትን ዝንፀግ ኬሚካለን ደገፍ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሰብ ሞያ ስልጠና፣ ንሕብረተሰብ ድማ ገንዛበ መዕበዪ መድረኻት ከምዝተኻየደዱ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.