ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 5 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ 5 ሺሕን 728 ነበር ተዋጋእቲ ብስልጠና ተሃድሶ ብምሕላፍ ናብ ሕብረተሰብ ምፅንባሮም ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ትልሚን ክትትልን ፕሮግራም እቲ ኮሚሽን ኮሎኔል በላይ ኣበበ፥ ኣብቲ ክልል 75 ሺሕ ነበር ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብስልጠና ተሃድሶ ኣቢሎም ናብ ሕብረተሰብ ናይ ምምላስ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
በዚ ከይዲ 5 ሺሕን 728 ነበር ተዋጋእቲ ኣብ ማእኸላት መቐለን ዕዳጋ ሓሙስን ብምእታው ስልጠና ተሃድሶ ዛዚሞም ናብ ማሕበረሰብ ንክፅንበሩ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ክልል ንነበር ተዋጋእቲ ዝወሃብ ስልጠና ስሩዕ ህይወቶም ብዝግባእ ምምራሕ ብዘኽእል መገዲ ከምዝኾነ እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ከባቢ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ማእኸል ሰልጠና ዓዲ-በራሕ ስራሕቲ ሕድሳት ብምዝዛም ስልጠና ተሃድሶ ዓቕሚ ቅበላ ክብ ንምባል ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
መበል ካልኣይ ሰልጠና ተሃድሶ ኣብ ክልል ዓፋር 1 ሺሕን 750 ነበር ተዋጋእቲ ዓፋር ፌዴራሊስት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ናብ ኣብዓላ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶ ብምእታው ሰልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።