Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ድርቅን ንምክልኻል 382 ወሓዝቲ ንምልማዕ ዘኽእል ፕሮጀክት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ድርቅን ንምክልኻል 382 ወሓዝቲ ንምልማዕ ዘኽእል ፕሮጀክት እናተሳለጠ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ልምዓት ወሓዝቲ እቲ ቢሮ ኣይተ ይትባረኽ ገብረ መድህን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተመረፁ ወረዳታትን ከባብታትን ኣብ 382 ወሓዝቲ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓትን ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ክሳለጡ እዮም።

ንመፈፀሚ እቲ ፕሮጀክት÷ ኣብዚ ዝትሓዘ በጀት ዓመት 9 ሚልዮን ዶላር ከምዝተመደበ እውን ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 300 ሽሕ ሄክታር መሬት ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሬት መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ከምዝካየድ ገሊፆም።

ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሳተፉ ኣባላት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት መዓልታዊ ክፍሊት ከምዝረኽቡ ብምግላፅ÷ እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ናይ ባዕሎም ስራሕቲ ልምዓት ብምክያድ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣብቶም ወሓዝቲ ዝሳለጡ ልምዓታት ሚዛን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እቲ ከባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ሓረስቶት ኣብ ስራሕቲ ምርባሕ ንህቢ፣ ልምዓት ቀለብ እንሰሳትን መስኖን ንክሳተፉ ከምዝሕግዞም ኣይተ ይትባረኽ ኣረዲኦም።

እቲ ፕሮጀክት ንዝቕፅሉ 6 ዓመታት ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ብሓገዝ ባንኪ ዓለምን መንግስቲ ፌዴራልን ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.