ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 7 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ዝካየድ 3ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ሚኒስትራት፣ ላዕለዋት ኣመራርሓታት እቲ ክልል፣ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ወረዳ ኣሶሳ 2 ሓምለ 2013 ዓ.ም ብዕሊ ከምዝተጀመረ ይፍለጥ።
“ንኢትዮጵያ ንኽደና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሳለጥ ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ 72 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዝተትሓዘ እቲ ቢሮ ገሊፁ፡፡
ኣብቲ ክልል ቀፃሊ ሓሙስ 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጥራሕ 7 ሚሊየን ንምትካል ምድላው ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ፡፡
ሕብረተሰብ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቡ ሓምለዋይ ኣሰሩ ንኸዕርፍ እቲ ቢሮ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።