Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ 62 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ሓገዝ ምግቢ ተንከፍ የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ፀገም ፀፅታ ብዘስዐቦ ፅዕንቶ 62 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ሓገዝ ምግቢ ተንከፍ ከምዘድልዮ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ተመዛቢሎም ንዝርከቡ ዜጋታት ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምዃን ዝተፈላለዩ ሓገዝ እናተገበረ ምዃኑ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ታረቀኝ ቴሲሳ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዞባ ካማሽ ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ፀገም ፀፅታ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ መልክዑ ተበፃሒ ከምዘይኮነ ብምሕባር፤ ገበርቲ ሰናይ ትካላት እውን ክንቀሳቐሱ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 384 ሺሕ ዜጋታት ኣድላዪ ሓገዝ ንኽረኽቡ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣንፃራዊ ሰላም ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እቶም ኮሚሽነር ምግላፆም ትካል መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.