Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ 51 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም ፕሮጀክትታት መስኖ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሊበን ኣብ ክልተ ወረዳታት 260 ሄክታር መሬት ምልማዕ ዘኽእሉ ኣርባዕተ ፕሮጀክትታት መስኖ ተሃኒፆም ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም።

ኣብቲ ዞባ ወረዳታት ዶሎ ኣዶን ቆልማዩን ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት መስኖ 51 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሎም ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕርሻን እቲ ክልል ዶክተር ኣብዲቃድር ኢማን ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ከምዝበልዎ፤ እቶም ፕሮጀክትታት ግማሽ ኣርባሕቲ እንስሳ ዝኾኑ ልዕሊ 1ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም እዮም።

ሩባ ገናሌ ብምጥላፍ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት መስኖ፤ ዋናን ንኡስ መከፋፈሊ ካናል ወሲኹ ኣርባዕተ ሞተራት ማይን መከላኸሊ ውሕጅን ብዘማልአ መልክዑ ምስራሖም ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ክፋል ሰበኽ ሳገም ዝረገሐ መስኖ ተረቢሖም ዑፉንን ካልኦት ኣትክልትታትን ምልማዕ ምጅማሮም እቶም ሓለፊ ገሊፆም።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሊበን ኣይተ መሐመድ መሑመድ ብወገኖም፤ በቲ ክልል ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕርሻን ዝተሃፁ ፕሮጀክትታት ኣብ ወረዳ  መልካ፤ ቀበሌታት ዲዳን ሰብላዩን ከምኡ ውን ኣብ ወረዳ ዶሎ ኣዶ ቀበሌታት ኮሌን ኩሊ ክሊምሳንጎን ግማሽ ኣርባሕቲ እንስሳ ፍርያትን ፍርያታውነት ንምዕባይ ዝርድኡ እዮም ኢሎም።

እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ 9 ነጥብ5 ሄክታር መሬት ብምኽንያ ዝተዘርገሐ መስመር 260 ሄክታር መሬት ምልማዕ ከምዘኽእል ምዝራቦም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.