Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ክልል ካብ መፅሓፍ “መደመር ትውልድ”  400 ሚልየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ክልል ካብ መፅሓፍ “መደመር ትውልድ”  400 ሚልየን ብር ተኣኪቡ።

መርሃ ግብሪ ምፍላጥ መፅሓፍ “መደመር ትውልድ”  ኣብቲ ክልል ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሐመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።

ኣይተ ሙስጠፌ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ መንእሰይ ትውልዲ ናይ ምንባብ ዓቕሙ ክብ ከብል ኣለዎ ኢሎም።

ሕብረተሰብ እውን እቲ መፅሓፍ ብምንባብ ፈልጠት ክሕዝ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብቲ ክልል ዓበይቲ ከተማታት ዘበናዊ ማእኸል መናእሰይ ክህነፀሉ ኢዩ ምባሎም ካብ ኮሚኒኬሸን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.