Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሌ ብዘጋጠመ ድርቂ ልዕሊ 3 ነጥሊ 2 ሚሊየን ዜታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ሶማሌ ብዘጋጠመ ድርቂ ልዕሊ 3 ነጥሊ 2 ሚሊየን ዜታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ደበበ ዘውዴ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ካብ ዝርከባ 11 ዞባታት ኤብተን ትሽዓተ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንስሳትን ልዑል ጉድኣት እናስዐበ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ድርቂ ስዒቡ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ እቲ ሓዱሽ መፅናዕቲ እንተይወሰኸ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል እናተገበረ ዝርከብ ሓዱሽ መፅናዕቲ እንትዛዘም፥ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣይተ ደበበ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.